Tigray Intercept

Tigray Intercept Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Intercept, Event Planner, Mekelle.

 ==============ደጃዝማች ስባጋድስ ወልዱ (1770–1831 ዓ/ም) ካብቶም ኣብ ታሪኽ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣዝዮም ፍሉጣትን ሓያላትን መራሕቲ ሓደ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ኣብቲ "ዘመነ ...
11/02/2026


==============
ደጃዝማች ስባጋድስ ወልዱ (1770–1831 ዓ/ም) ካብቶም ኣብ ታሪኽ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣዝዮም ፍሉጣትን ሓያላትን መራሕቲ ሓደ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ኣብቲ "ዘመነ መሳፍንቲ" ተባሂሉ ዝፍለጥ እዋን ዓብይ ግደ ዝነበሮም ትግራዋይ መራሒ እዮም። ​

1. #ዓዶምን ስድርኦምን፡-
​ደጃት ስባጋድስ ካብ ዓጋመ (ዞባ ምብራቕ ትግራይ) እዮም ዝምዘዙ። ካብ ዓሌት መራሕቲ ዝተወልዱ ኮይኖም ማእኸል ስልጣኖም ድማ ኣብ ዓዲግራት ነይሩ። ዓዲግራት ከም ከተማ ክትምስረትን ክትምዕብልን ዝገበሩ እዮም።

​2. #መራሒ ትግራይ (1822–1831 ዓ/ም)፡-
​ድሕሪ ሞት ደጃዝማች ወልደስላሴ፣ ስባጋድስ ንመላእ ትግራይን ሰሜን ኤርትራን (ባሕሪ ነጋሽ) ዝመርሑ ሓያል መራሒ ኮይኖም ኣብቲ እዋን ብጣዕሚ ፍትሓዊ፣ ተባዕን ስትራቴጂካዊ መራሕን ከም ዝነበሩ ይዝረበሎም።

​3. #ምስ ወፃኢ ዓለም ዝነበሮም ርክብ፡-
​ስባጋድስ ካብቶም ብቕድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ትግራይ ብዝተፈለየ፣ ምስ ኣውሮፓውያን (ብፍላይ ምስ እንግሊዝ) ርክብ ብምፍጣር ስልጣነን ዘመናዊ ኣፅዋርን ናብ ትግራይ ንምእታው ይፅዕሩ ነይሮም። ምስቲ ዝነበረ ናይ እንግሊዝ ወኪል ሳሙኤል ጎባት ፅቡቕ ዕርክነት ነይርዎም።

​4. #ሃይማኖትን ባህልን፡-
​ኣብ ዓዲግራትን ዓድዋን ዝርከብ ቤተ ክርስትያን መድሃኒኣለም ዘስርሑ እዮም። ንቤተ ክርስትያንን ትምህርትን ዓብይ ቆላሕታ ይህቡ ነይሮም።
‼️‼️‼️‼️‼️‼️‼️‼️‼️‼️‼️‼️‼️

 ንሕዳር ፅዮን ኣክሱም መፂኹም ክትህውፅዎም ዘለኩም መስሕባት ቱሪዝም ገሊኦም:-1. #ዝቆሙን ዝወደቑን ዝተፈላለየ ቅርፅታት ዘለዎም ካብ ሓደ እምኒ ዝተሰርሑ ሓወልትታትን 2. #ሙዜምን መቓብር...
29/11/2025


ንሕዳር ፅዮን ኣክሱም መፂኹም ክትህውፅዎም ዘለኩም መስሕባት ቱሪዝም ገሊኦም:-
1. #ዝቆሙን ዝወደቑን ዝተፈላለየ ቅርፅታት ዘለዎም ካብ ሓደ እምኒ ዝተሰርሑ ሓወልትታትን
2. #ሙዜምን መቓብር ነገስታት (ቀዳማዊ ሚኒሊክ፣ ንጉስ ባዜን፣ ንጉስ ሮምሃ፣ ሃፀይ ካሌብ፣ ንጉስ ኢትዮጲስ፣
3. #ኣብ ደብረ ማክዳ ወይ ጎቦ ቤተ ጊዮርጊስ ዝርከቡ ልዕሊ 3000 መቃብራትን ካልኦትን)፣
4. #ናይ እምኒ ፅሑፋት ንጉስ ኤዛናን ካልኦትን፣
5. #ጥንታዊ ፍርስራስ ኣብያተ መንግስቲ (ንግስተ ሳባ፣ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ካልኦትን)፣
6. #ጥንታዊ ህልውን ፍርስራስ ኣብያተ ክርስትያናትን (ማርያም ፅዮን ቤተ ክርስትያን፣
7. #ፍራስ 12 ቤተ መቅደስ ዝነበሮ ብኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ነገስታተ ዓለም ዝተሰርሐ ቤተ ክርስትያን፣
8. #ፍራስ ኣርባእቱ እንስሳ ቤተ ክርስትያን፣ ፍራስ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስትያን፣
9. #ንመጀመርያ ግዜ ካብ ከውሒ ተፈልፊሉ ዝተዓፅወ ቤተ ክርስትያን ኣባ ሊባንኖስ ካልኦትን)
10. #ኣብ ቀፅሪ ሓወልቲ ዝርከብ ጥንታዊ ቅሪታት ዝሓዘ ሙዜም፣
11. #ኣብ ቀፅሪ ፅዮን ዝርከብ ጥንታዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታውም ሓድግታት ዝሓዘ ሙዜም፣
12. #ኣብ ኣኽሱማዊት ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን ዝርከብ ባህሊ ኣኽሱም ዘርኢ ሙዜም፣
13. #ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ዝርከቡ ሙዜማት) ፣
14. #ማይ ኪራሕን ሙራደ ቃልን ንቅዱስ ያሬድ መንፈስ ቅዱስ ፍልጠት ዝመገበሉን ዝወረደሉን ቦታ፣
15. #ቤተ ቀጢን ተስዓቱ ቅዱሳን መጀመርያ መፅዮም ዝዓረፍሉን ነዊሕ እዋን ዝነበሩሉን ቦታ፣
16 #ፀበላት (ዝስተዩ ፀበላት ካብ ዝነብዕ መስቀል ዝወፅእ ድልቢ፣ ንሕማም ጨጎራን ካልኦት ረኽስታትን ዝፍውስ ኣብ ጎዲፍ ማርያም ናብ ሙራደ ቃል መውፅኢ ዝርከብ ፀበል፣ ማይ ፀሎት ኣባ ሊባኖስ፣ ኣቡነ ጴንጤሌዎን ማይ ሩባ፣ ኣባ ሊቃኖስ፣ ማይ ኮሖ ዝርከብ ማይ ፀሎት ኪዳነ ምህረትን ፣
17. #ኣብ ቀፅሪ እንዳ ፅዮን ዝርከብ መንፈስ ቅዱስ ምስ ቅዱስ ያሬድ ዝባረኾ ናይ ውግኣት፣ ቁርፀት፣ ሕማም ከብዲ፣ ሕማም ሑቀ እናተደረዝካ ዝፍውስን ካልኦትን) ፣
18. #መኬደ እግዚእ ናይ ጎይታና መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ንኣኽሱም ሓመድ ንምንስናስ እንትመፅ ዝተረፈ ቅርፂ ርጋፅ እግሪ ዘለዎ፣
19. #ሱሑይ ወርቂ ኣብ ማይ ኮሖ (ቤተ ዮሃንስ) ዝርከብ ካብ ሰማይ ንኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ነገስታተ ዓለም ቤተ ክርስትያን ክሰርሑ ሸውዓተ ማዓልትን ሸውዓተ ለይትን ወርቅን ዑንቅን ካብ ሰማይ ዝዘነበሉ ቅዱስ ቦታ፣
20. #ኣብ ፅንዓት ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታታት (እንዳ ሚካኤል፣ ተኽኣ ማርያም፣ እንዳ ስምኦንን ካልኦትን)፣ መስቀል ኣቡነ ሰላማ፣ ምስጣሕ ወርቂ
21. #ዛግዱር (ፅዑቕ ዱር) ፅላተ ሙሴ መፅያ መጀመርያ ዝዓረፈትሉ ቦታ ወዘተ... ዘይተጠቐሰ ወስኽሉ............ እዚኦምን ካልኦት ዘይተጠቐሱ ታሪኻትን ሓቚፋ እትርከብ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን፣ መሰረት ሃይማኖትን ጥበብን ዝኾነት ከተማ እያ። ሰናይ ቕንያት ሕዳር ፅዮን 2018 ዓ/ም!!
© TIGRAY INTETCEPT.

እዚ ኣብ ምስሊ ዝረአ ዘሎ ድንቂ ስፍራ መቓብር ኣቡነ ሰለማ ከሳቴ ብርሃን ፈላማይ ጳጳስ ኢ/ያ እዩ። ኣብ ተምቤን ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ፣ ጣብያ ገፅኪ ምለስለይ፣ ኣብ ገዳም እንዳ ኣባ ሰላማ ይር...
29/10/2025

እዚ ኣብ ምስሊ ዝረአ ዘሎ ድንቂ ስፍራ መቓብር ኣቡነ ሰለማ ከሳቴ ብርሃን ፈላማይ ጳጳስ ኢ/ያ እዩ። ኣብ ተምቤን ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ፣ ጣብያ ገፅኪ ምለስለይ፣ ኣብ ገዳም እንዳ ኣባ ሰላማ ይርከብ።
❤💛
!



's_promote_Tigrai
Teklish Fiyameta
19-02-2018 ዓ/ም
#መቐለ

ብኣርባዕቲኡ መሓውርካ ተጠንቂቕካ እትድየብን እትውረድን ገዳም ሰይፈሚካኤል ጻዕዳ እምባ ፈለስቲ ጥራይ ዘይኮኑ ጻማ እግዛኣቢሄር ዝደልዩ መንእሰያትን ካልኦት ንኽእል ኢና ዝብሉ ሰባትን'ውን ኣብ...
27/10/2025

ብኣርባዕቲኡ መሓውርካ ተጠንቂቕካ እትድየብን እትውረድን ገዳም ሰይፈሚካኤል ጻዕዳ እምባ ፈለስቲ ጥራይ ዘይኮኑ ጻማ እግዛኣቢሄር ዝደልዩ መንእሰያትን ካልኦት ንኽእል ኢና ዝብሉ ሰባትን'ውን ኣብ ግዜ ንግደት ይኹን ካልእ ኣጋጣሚ ክሓዂሩዋ ይረኣዩ እዮም።

ታሪኽ ፈረስ ትሮይን ህወሓትን (TPLF as Trojan horse of Eritrea's Shabia)==========ደቂ ግሪክ ነታ ትሮይ ትባሃል ብሓያል ዱፋእ ዝተሃነፀት ከተማ ብኹናት ክስዕሩ ...
26/09/2025

ታሪኽ ፈረስ ትሮይን ህወሓትን
(TPLF as Trojan horse of Eritrea's Shabia)
==========
ደቂ ግሪክ ነታ ትሮይ ትባሃል ብሓያል ዱፋእ ዝተሃነፀት ከተማ ብኹናት ክስዕሩ ብዙሕ ጊዜ ፈቲኖም ኣይካኣሉን። ሓደ ጊዜ ግን ተንኮል ፍሒሶም። ክንዲ ዓብዪ ህንፃ ዝኸውን ካብ ዕንፀይቲ ዝተቐረፀ ፈረስ ሰሪሖም። ነቱ ፈረስውን በለይቲ እናጎተቱ ኣብ በሪ ትሮይ ገዲፎምዎ ከይዶም። ደቂ ትሮይ ዓበይቲ በሮም ከፊቶም እንተረኣዩስ፣ ኣዝዩ ዝድነቕ፣ ካብ ዕንፅይቲ ዝተሰርሐ ፈረስ ረኺብና ኢሎም ተሓጒሶም እናጎተቱ ናብ ትሮይ ኣእትዮምዎ።

ኣብቱ ውሽጢ ፈረስ ግን ግሪካውያን ወታሃደራት እዮም ነይሮም። ደቂ ትሮይ ብድቅሶም፣ ግሪካውያን ካብቱ ፈረስ ወፂኦም ንትሮይ ዓነውነው ኣቢሎም ተዓወቱ።

ግን እዙ ኣፈ-ታሪክ እዚ፣ ሻዕቢያ ንህወሓት ከም ትሮይ ፈረስ ተጠቒሙ ኢትዮጵያ ወደብ-ኣልቦ ገይሩ ዘፈራረሰሉ ናይዚ ዘመንዚ ኣዝዩ ዝድነቕ ሓቐኛ ታሪኽ እዩ። (The Trojan Horse remains a legend of classical mythology; however, the case of the TPLF is not myth but historical reality. Ultra-nationalist Eritreans, presenting themselves as Tigraians, assumed control of the TPLF leadership and subsequently rose to positions of authority in Arat Kilo. In doing so, they played a pivotal role in rendering Ethiopia landlocked, while simultaneously fragmenting the country along ethnic lines. This strategy of divide-and-rule, while serving immediate political objectives, has also planted the seeds of long-term instability—amounting to a potential time bomb for Ethiopia’s future.).

ቕድሚ 20 ዓመት ንላዕሊ፣ ህወሓት ናይ ሻዕቢያ ናይ ትሮይ ፈረስ እዩ እናበልና ንፅሕፍ ኔርና።

ብጊዜ ደርጊ፣ ሻዕቢያ በይኑ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ገጢሙ "ሓደ እግሩ መቓብር ኣትዩ ነይሩ"። ደጋጊሙ ፀኒቱ ነይሩ። ግን ሻዕቢያ ከም ግሪካውያን ተበሊፆምልና። ሻዕቢያ ስብሓት ነጋን መለስ ዜናዊን ዝባሃሉ ብስም ተጋሩ፣ ብተግባር ሻዕብያ ዝኾኑ ዕሱባት "ህወሓት" ናይ "ትሮይ ፈረስ" ገይሮም ክመርሑ ገይሩ። በሻሓት ዝቑፀሩ፣ ኣያ ዘይብሎም ዕሽላት ትግራይ ኣብ ሳሐል ደመ ከልብ ኮይኖም፣ ንሻዕቢያ ካብ ሞት ኣትሪፎም፣ ክነግስ ጌሮሞ። ሻዕብያ ኣብ ኣራት ኪሎ ዝነበሩ ኸደምቱ ተጠቒሙ ኤርትራ ሙሉ ቐይሕ ባሕሪ ክትውንን ኽኢላ። ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኢድ ፅንፈኛ ኤርትራዊ ብሄርተኛ መለስ ዜናዊ ምዃና ዘይፈልጥ ትግራዋይ ተሃልዩ ክፈልጥ ዘይደሊ ድንዙዝ ወይ ድማ ተበላፂ ቱ ስርዓት እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ሎምውን ድሕሪዙ ኹሉ ፅንተት ተዘይነቒሕኻ፣ ነዞም "ንኹናት ተዳለው" ዝብሉኻለው ኣዛብእ ሞንጆሪኖ ተቓሊስካ ተዘይኣጥፊእኻዮም፣ ባዕልኻ ንፅንተት ኣሕሊፍካ ምሃብካ ፍለጦ።

today best pic Rwanda,Kigali .✅✅✅✅
24/09/2025

today best pic Rwanda,Kigali .
✅✅✅✅

Lessons Taught by LifeLife doesn’t give you what you want, it gives you what you deserveIn the African wilderness, nothi...
20/09/2025

Lessons Taught by Life

Life doesn’t give you what you want, it gives you what you deserve

In the African wilderness, nothing is promised, nothing is guaranteed, and nothing is wasted. The hyena, often mocked as a scavenger, carries home a prize most animals would scoff at—a single buffalo leg. To the lion, it may seem scraps. To the leopard, it may appear beneath their dignity. But to the hyena, it is victory, survival, and a reminder that life gives not the banquet we dream of, but the portion we fight for and deserve.

The hyena does not complain about not getting the whole buffalo. It does not sulk in the shadows, envying the lion’s feast. Instead, it sinks its teeth into what it has earned. One leg may not look like much, but for the hyena, it is nourishment, it is triumph, it is proof that persistence always pays.

Life is like this: we often sit and dream of golden thrones, lavish tables, and endless riches. But dreams alone feed no one. What matters is what you chase, what you endure, and what you’re willing to carry home. Just as the hyena’s reputation has never stopped it from surviving, your critics cannot stop you from thriving. Life will never hand you the whole buffalo simply because you want it; it will only reward your grit, your resilience, and your effort.

In the end, the hyena limps home with more than just meat—it carries the lesson that survival belongs not to the strongest or the most glamorous, but to the most relentless.

Moral:
Life doesn’t owe you anything. You don’t get what you wish for; you get what you work, fight, and deserve. Be relentless—because even a single leg can carry you through the storm.
©️Africa Today

ማርያም ኲሓ ብ 1971 ዓ.ም🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
17/09/2025

ማርያም ኲሓ ብ 1971 ዓ.ም
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏

ገዳም እንዳባ ዮሃኒ ተምቤን ።🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
31/08/2025

ገዳም እንዳባ ዮሃኒ ተምቤን ።
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏

ማርያም ኹሓ ና ቐደም ምስሊ🙏
30/08/2025

ማርያም ኹሓ ና ቐደም ምስሊ🙏

29/08/2025

ንጉሰ ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ጽዮን ማርያም ኣክሱም ። 🙏🙏🙏🙏🙏🙏

01/08/2025

ይኣክል ኲናት ክበሃል ዝግበኦ ንስርዓት ብልፅግና እዩ!
============
ንኲናት ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፅየፍ የለን። ህዝቢ ትግራይ ተገዲዱ እምበር ብሂጉ ዝኣትዎ ኲናት የለን። ህዝቢ ትግራይ በቢእዋኑ ኣንፃር ህልውንኡ ንዝለዓሉ ወራራት ክምክት እዩ ናብ ኲናት ዝኣቱ። እቲ ሓቂ እዚ እዩ። ስርዓታት ኢ/ያ ግን ነዚ ሓቂ ብምግልባጥ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ንምክልኻል ዝኣትዎ ኲናት ከም ‘ጦረኛ’ ጌሮም የቕርብዎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ስርዓት ብልፅግና 40 ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ወሪሩ ንኻሊእ ጥፍኣት ንዝገብሮ ዘሎ ምድላው ብትግራይ ንምስባብ ኣብ ሰፊሕ ወፍሪ ፕሮፓጋንዳ ተፀሚዱ ይርከብ።
ካብቶም ፕሮፓጋንድኡ ዘስርፀሎም ዘሎ ድማ ሓደ ቲክቶክ እዩ። ኣጀንዳ ዝተውሃቦም ቲክቶኮራት ኢትዮጵያ ብወገን ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምድላው ኲናት ጠጠው ክብል ከምዘለዎ ዝትርኽ ትሕዝቶ ሒዞም ይሰርሑ ኣለው። ተጋሩ ቲክቶከራት ድማ ገለ ብዘይምርዳእ ገለ ድማ ንመአከቢ ላይክን ሸርን ኣብዚ ኣዕናዊ ፕሮፓጋንዳ ኣትዮም ኣለው።
ኲናት ክንቃወም ኣለና። ክንቃወሞ ዝግባእ ነቲ መንቀሊ ኲናት እዩ። ትማሊ ጀኖሳይድ ዝኣወጀልና ስርዓት ብልፅግና እዩ። ሎሚ እውን ኣርብዓ መሬትና ወሪሩ ንዳግም ኲናት ዝህንደድ ዘሎ ንሱ እዩ። ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝብና ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ለይትን ክረምትን ብጥሜትን ሕማምን ይሞት ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝነብር ህዝብና በቢዕለቱ ይቕተል ኣሎ። እዚ እናኾነ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ሞት ይኣኽለኒ እናበለ ብሰላም እዩ ዝምሕፀን ዘሎ።
ስለዚ ይኣክል ኲናት ክበሃል ዝግበኦ ንስርዓት ብልፅግና እዩ። ዘለኩም ዓቕሚ ንምምላስ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ክትጥቀምሉ ይግባእ። ድምፂ ኣብ ውሽጢ ፀላኢ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብኹም፣ ኣብ ስደትን ማእኸላት መዕቖብን ዝፀንት ዘሎ ህዝብኹም ክትኮኑ ይግባእ እምበር ኣብ መፃወድያ ፕሮፓጋንዳ ፀላኢ ኣቲኹም መሳርሒ ድሌት ኲናት ኣብዪ ክትኮኑ ኣይግባእን።

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Intercept posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category