HaHu Events

HaHu Events Kontaktinformasjon, kart og veibeskrivelse, kontaktskjema, åpningstider, tjenester, stjerner, bilder, videoer og kunngjøringer fra HaHu Events, Hawelti, Oslo.

15/02/2026

African politics and adaptability

ጌታቸው ረዳ መንግስትነት ተቖፃፂሩ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ካብ ውሽጢ ከመይ ከም ዘፍረሶ ንምርኣይ እዚ እኹል እዩ:: ለካቲት 11 ንምኽባር ኣደራሻት ዘይኣክሎ ዝነበረ ትግራዋይ ሎሚ ህዝብና ብፖ...
15/02/2026

ጌታቸው ረዳ መንግስትነት ተቖፃፂሩ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ካብ ውሽጢ ከመይ ከም ዘፍረሶ ንምርኣይ እዚ እኹል እዩ:: ለካቲት 11 ንምኽባር ኣደራሻት ዘይኣክሎ ዝነበረ ትግራዋይ ሎሚ ህዝብና ብፖለቲካን ብከባቢን ተፈላልዩ 11 ለካቲት ኣብ ገዝኡ ክኽብር ተገዲዱ ኣሎ!!

ስእሊ: ኣከባብራ 11 ለካቲ ሰሜን ኣሜሪካ-2026

«Independence is not isolation—it is self-reliance. It’s the courage to stand on your own values.» You deserve it. Congr...
26/12/2025

«Independence is not isolation—it is self-reliance. It’s the courage to stand on your own values.» You deserve it. Congratulations— Somaliland-ians.

Many gathered along major streets and in public squares, waving their tricolour, some draped over shoulders to celebrate for the recognition of independence Israel gives.

Tigray hopes to follow suit!

This foot-washing ceremony is the culture that I hate most. This has to stop. No need of washing the filz of people who ...
28/11/2025

This foot-washing ceremony is the culture that I hate most. This has to stop. No need of washing the filz of people who don’t have hygiene for themselves. The call it humility but it is self humiliation.

02/08/2025

Ethiopia and Tigray: two antagonistic entities for life!
Ethiopia never stops dreaming to destroy Tigray.
Tigray begs to stay under

እዞም ሰረቕቲ ጀነራላት እዚኦም ህዝቢ ትግራይ ኣጥፊኦሙዎ እዮም:: ኣብ ኩናት ዘወድእዎ ከይኣክል ስልጣን ንምብሓት ኣብ ዝገበርዎ ፍሕፍሕ ህዝቢ ሓድሕዱ ቁልቁል ክጠማመት-- ሓድነቱ ክዝረግ ዝገ...
01/08/2025

እዞም ሰረቕቲ ጀነራላት እዚኦም ህዝቢ ትግራይ ኣጥፊኦሙዎ እዮም:: ኣብ ኩናት ዘወድእዎ ከይኣክል ስልጣን ንምብሓት ኣብ ዝገበርዎ ፍሕፍሕ ህዝቢ ሓድሕዱ ቁልቁል ክጠማመት-- ሓድነቱ ክዝረግ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝኸፍአ እዩ::

ኣብ ዘይምልከቶም ፖለቲካ ኣትዮም ህዝቢ በቲኖም- ውድብ በቲኖም - ሰራዊት በቲኖም ኣለዉ:: ሕጂ እንታይ ተሪፍዎም እዩ- ኣብ ቲቪ እንዳተቐልቀሉ ዝህዉኹና ዘለው!? ክብል ቁሩብ ክሓስብ ጀሚረ:: ሓንቲ ኣጀንዳ ግን ብማዕረ ክጥቀሙላ ረኺበዮም: ሕቶ ሃገርነት ትግራይ!! ክልቲኦም ከም ካካ ዝፅየፍዋ ቃል እያ: ሕቶ ሃገርነት ትግራይ:: እቲ ሓደ ንድፋእ ኣለና ኢሉ ክምልስዎ ዘለዎ ተስፋ እዩ ዝዘንቱ:: እቲ ሓደ ከኣ ኢትዮዽያውያን ኢና- ሕቶ ሃገርነት ናይ ውሑዳት እዩ ኢሉ ኣነኣኢስዋ::

These Tigrayans are acutely sterilized by Abyi propaganda machine!
01/08/2025

These Tigrayans are acutely sterilized by Abyi propaganda machine!

"ሰላም ኢና ንደሊ" ዝብል መሰልቸዊ ናይ ደቂ ዓድና ፕሮፖጋንዳ ብኣምሓርኛ ++++++++++++++ኢትዮጵያውያን "ጦርነት ይብቃ; ሰላም ይስፈን" በሚል በልዩ ኣጋጣሚ የሚነሳ ዲስኩር ኣላቸው::...
30/07/2025

"ሰላም ኢና ንደሊ" ዝብል መሰልቸዊ ናይ ደቂ ዓድና ፕሮፖጋንዳ ብኣምሓርኛ
++++++++++++++

ኢትዮጵያውያን "ጦርነት ይብቃ; ሰላም ይስፈን" በሚል በልዩ ኣጋጣሚ የሚነሳ ዲስኩር ኣላቸው:: በመረጃ ኣስደግፈው ምን እንዳጋጠመ ኣሁንስ ምን እየተባለ እንዳለ ለሰፊው ህዝብ ከማሰማት ይልቅ ሸፍነው ሸፋፍነው "ሰላም ይስፈን" ይላሉ:: በማር ቀብተው የሚናገሩት "ሰላም ይስፈን" የሚለው የይስሙላ ቃልም ቢሆን ወደ ህዝቡ እንዳይደርስ ግን ተጠንቅቀው ነው የሚሉት:: ሆን ብለው- ትክክለኛው ኢንፎርሜሽን ወደ ሰፊው ህዝብ እንዳይሄድ ያደርጋሉ- መረጃው ይደፍቁታል!

ኢትዮዽያውያን ሆይ- "ጦርነት ይብቃ ሰላም ይስፈን" በምትሉበት ግዜ መርሳት የሌለባቹ ነገር እናስታውሳቹሁ:

||-የፕሪቶሪያው የሰላም ስምምነት ይፈፀም
-የትግራይ ሉዓላዊ ግዛት ይከበር
- ወራርያን ከትግራይ መሬት ይውጡ
-የተፈናቀሉ የትግራይ ህዝቦች ወደ መኖሪያቸው ይመለሱ
-በተጋሩ ላይ የሚደረገውን እስር ፣ ከስራ ማፈናቀል ይቁም
-የትግራይ ህዝብ እንደ ዜጋ ይታይ ወዘተ ብታክሉበት የይስሙላም ቢሆን ጆሮ ሊይዝ ይችል ነበር:: ||

ኣብዚ ጥዑም ቃል እዚ ብዙሕ ሰብ እዩ ተሓቢኡ ዝርከብ:: እዞም ናይ ትግራይ በለፀኛታትን እቲኦም ኣምሰሉታት ኢትዮዽያውያንን ዘመሳስሎም ነገር እንተሎ "ሰላም ኢና ንደሊ" ኣብ ዝብል መሸቀጥን ዝሰልቸወን ዘረባ ምሕብኦም እዩ። "ምዕራብ ትግራይ ናብ ሰብ ዋንኡ ይመልስ፥ ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ክብሮም ተሓልዩ ምስ ውሑስ ናይ ፀፅታ መሓውሮም ናብ ግዝኣቶምን መረበቶምን ይመለሱ!" ኣብ ክንዲ ምባል ፀላኢ'ኳ ደፊሩ ዘይደጋግሞ ዘረባ "ሰላም ኢና ንደሊ" ዝብል መሸቀጥን መሰልቸውን ቃል ምሕባእ። ንሳቶም ኣብ መረበቶም ኣብ ማቻ ተኾይጦም ንህዝቢ ምዕራብ ትግራይ "ሰላም ኢና ንደሊ" እናበሉ ክወራዘየሉ ትርኢ። እዚኣቶም ሸቃጦ እምበር ሓቀኛታት ደለይቲ ሰላም ኣይኮኑን። ኣብዪን እቶም ዝልእኮም ደላሎ ኩናትን ከኣ ብኣውርኡ::

ትግራይ ናብ ንቡር ግዝኣታዊ ሉኣላውነታ ትመለስ-- ብድሕርኡ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ይነብር ንዕኡ ይምልከት!!

ሸኾርተት ጀኖሳይደር ዓገብ ክብሃል ኣለዎ!መሀከዪ ብዝኾነ ብኹሉ ኣፍ ዝደጋገም፤ «ሕርያና ሰላም እዩ» እንትብሃል፤ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘሕልፎ መልእኽቲ እንታይ እዩ? ብስም «ሰላም»፤ ስለምንታ...
30/07/2025

ሸኾርተት ጀኖሳይደር ዓገብ ክብሃል ኣለዎ!

መሀከዪ ብዝኾነ ብኹሉ ኣፍ ዝደጋገም፤ «ሕርያና ሰላም እዩ» እንትብሃል፤ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘሕልፎ መልእኽቲ እንታይ እዩ? ብስም «ሰላም»፤ ስለምንታይ እዮም ልኡኻት ጀኖሳይደር ኢትዮጵያ ናብ'ታ ዘፅነቱዋን ዘብረሱዋን ትግራይ ዝመላለሱ ዘለዉ? እንታይ ዝብል መልእኽቲኸ እዮም ከሕልፉ ደልዮም? ንትግራይ ሓልዮም ድዮም ወይስ መደላድል ካልእ ፅንተታዊ ወራር እዮም ዘንፅፉ ዘለዉ?

ተደጋጋሚ ጭርሖ «ሰላም ኢና ንደሊ» ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣሉታዊ መልእኽቲ የሕልፍ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንመዋእሉ ንሰላም ነፂጉ ዝወልዖ ኵናት የለን፡፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 150 ዓመታት እንተርኢና እኳ፤ ህዝቢ ትግራይ ሰረት ሰላም እዩ፡፡ ስዊዝ ካናል ካብ ዝኽፈት ኣትሒዙ፤ ካብ ራእሲ ኣሉላ ክሳብ ሎሚ በዓልጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ብፆቱ ዝመርሑዎ ኵናት ኩሉ፤ ኣንፃር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝዘመቱ ሓይልታት ዝተኻየደ ኵናት መኸተ እዩ፡፡ ታሪኽ ትግራይ ከምዘረጋግፆ፤ ህዝቢ ትግራይ ኮነ መራሕቱ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ዝወልዑዎ ኵናት ዋላ ሓደ ኣይነበረን፡፡

ስለ'ዙይ ከም መራሕቲ ትግራይ ክብሃል ዝግባእ፤ ንዙ ሰረት ሰላም ዝኾነ ታሪኽን መንነታዊ መግለፅን ህዝቢ ትግራይ ኣረጊፅካ፤ ትግራይ ናብ መረበታ ዝመፃ ኵናት ትምክት እምበር፣ ኣንፃር ካልኦት ኵናት ወሊዓ ኣይትፈልጥን፤ ዝብል ምላሽ እዩ ክውሃብ ነይሩዎ፡፡ ኰይኑ ግና፤ ስለምንታይ እዩ፤ ኣብ ውሽጢ እዙ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት፤ መራሕቲ ነበር ኮነ ኣብ ኣመራርሓ ዘለዉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ፤ ኩሎም «ሰላም ኢና ንደሊ» ዝብሉ ዘለዉ? ቅድሚ ሐዚ'ኸ፤ ደለይትን ፃሕተርትን ኵናት ዲኹም ነይርኹም?!

ተዃሳሒ ኣብ ዝኾኑ ከባብታትን ኩነታትን ዘለዉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ዘሕልፉዎ መልእኽቲ፤ ብሰብ ሙያ ፀጥታን ደሕንነትን ይፍተሽ ይትንተን እዩ፡፡ ዘረብኦም ካብ ቀጥታዊ ትርጉሙ ሓሊፉ፣ ተዛማዲ ዝሕብሮን ዘመላኽቶን ኣገላልፃ እንታይ እዩ፤ ካብ ቀጥታዊ ትርጉም እቱ ኣበሃህላ ብንፅፅር እንታይ ተዛማዲ ሓሳብ ይፅሕትር? ብዝብል መንፊት ይሕሐ ይትርጎም እዩ፡፡

ብፍላይ ሐዚ እውን ኣብ ከውሊ ሰላሕታዊ ፅንተት ንዘላ ትግራይ፤ ጀኖሳይደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ መላፍንቶም ኣብ ኣደባባይ ዓለም ወላዒት እቱ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ብዝብል ስለዝወንጀሉዋ፤ ካብ ትግራይ ዝሓልፉ መልእኽትታት ኩሎም ተወሳኺ ትርጉም ይውሃቦም እዩ፡፡ ሐዚ እውን ንኡኡ ንኸራጉዱ እዮም ልኡኻት ጀኖሳይደር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝመላለሱ ዘለዉ፡፡

1. ቅድሚ ሐዚ ዝተኻየደ ኵናት ከም'ዙይ ለሚናዮም ባዕሎም ትግራይ እዮም ወሊዖምዎ፣

2. ሐዚ እውን ንኵናት ይዳለዉ ስለዘለዉ፤ እኒሀ እናተመላለስና ንልምኖም ኣለና፣

3. ስለ'ዙይ ንቱ ዝዳለውሉ ዘለዉ ኵናት፤ ትግራይ ተሓታቲትን ፃሕታሪትን ንምግባር መደያይቦ እዮም ዘንፅፉ ዘለዉ!

ምኒልክ እውን ፈላሲ እናለኣኸ ነይሩ ናብ ውሻጠ ንጉሰ ነገስታት ሃፀይ ዮሃንስ ዝኣተወ፤ ኣብ መወዳእታ እውን ብድሕሪት ዝቐንፀሉዎም፡፡

ልኡኽ ሰላም ዝለኣኽ፤ ናብ'ቱ ዝፀነተ ዝበረሰ ሐዚ እውን ብሰላሕታ ይፀንት ናብ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እንተይኮነስ፤ ናብ'ቱ ንትግራይ ብኹሉ ኣንፈት ዓፃፅዩ፣ መሬት ትግራይ ብኹሉ ኣንፈት ጎቢጡ፣ ህዝቢ ኣመዛቢሉ ዘፅንት ዘሎ ጀኖሳይደር እዩ፡፡ ንልኡኻት ሰላም ኣቦታት ሃይማኖት ትግራይ ኣይቕበልን ንዝበለ ጀኖሳይደርን መሓውሩን ንዝለኣኹዎም፤ መሳሰይቲ ፅንተት ምትእንጋድ እንታይ ማለት እዩ? ትግራይ ማዕረ ምስ ኢትዮጵያ ኮፍ ኢላ ዓለምለኸ ስምምዕ ሰላም ዝተፈራረመት እንተላ፤ ናብ ታሕቲ ወሪድካ፤ ምስ ልኡኻት ጀኖሳይደር ምስምማዕ እንታይ ማለት እዩ? ኢትዮጵያውያን ፖለቲካዊ ውድባት እኳ ንዝነፀጉዎ፤ ንንግስነት ጀኖሳይደር ንምርግጋፅ ምስዝተኣኻኸበ ጉጅለ «ሃገራዊ ምኽክር» ምዝታይ፤ ንትግራይ ኣይምጥናን ጥራሕ እንተይኮነስ የመና ምውራድ እዩ!

ግድን ክኸውን ዘለዎ ቀንዲ ውራይ ትግራይ፤ መሪሕነትን ኩሉ ፖለቲከኛን ልሂቅን ትግራይ ብሓደ ድምፂ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣለም ፀቕጢ ብምፍጣር፤ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ክትግበር፤ ክነጥፍ እዩ ዘለዎ!

ምስ ልኡኻት ጀኖሳይደር ብምትሕስሳይ ሸኾርተት ስለዝበልኩም፤ እተሰስኑዎ ረብሓ ትግራይ የለን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ንቱ ሕሉፍ ዝፈፀሙዎ ኮነ ንቱ ቀፃሊ ዝሸባሸቡሉ ዘለዉ ከይዲ ፅንተት፤ መሳለጥቲ ኢኹም ትኾኑ ዘለኹም! ንትንታነ ፀጥታን ደሕንነትን ሚዲያን ዓለም ኣፀናፅኑ!
HaileMariam

ብሽም ሽምግልና ናብ ትግራይ ዝኣተዉ "የጦርነት ኣዋላጅ ሽማግሌዎች!" ከምቲ ዝበልናዮ ካልእ ትርምስ ወሊዖም ናብ ሽዋ ተመሊሶም ኣለዉ:: ኣእጋርና ክራቲሞም ንኣእጋርና ክራንች ሒዞም ዝመፁ ልኡ...
30/07/2025

ብሽም ሽምግልና ናብ ትግራይ ዝኣተዉ "የጦርነት ኣዋላጅ ሽማግሌዎች!" ከምቲ ዝበልናዮ ካልእ ትርምስ ወሊዖም ናብ ሽዋ ተመሊሶም ኣለዉ:: ኣእጋርና ክራቲሞም ንኣእጋርና ክራንች ሒዞም ዝመፁ ልኡኻት ሽዋ ዝረብሕ ዝገበሩ ክመስሉ ንትግራይ ግን ሓዊ ረኩዖሙላ ተመሊሶም::

ፖለቲካ ሽዋ ማለት እዚ እዩ: መሊስካ መላሊስካ ትግራይ ምትርማስ- ካብ ትርምስ ከይትወፅእ ቀፃሊ ኣጀንዳ ምፍጣር - ዕንክሊል:: ሽዋ ተግባሩን ዘይገድፍ ትግራይ ውን ካብ ዕሽነታን ከይትወፅእ ብቃልኪዳን ዝተመሓሓሉ እዮም ዝመስሉ:: ዕንክሊል

30/07/2025

ናይ ሎሚዘበን ሽማግለ እንትትርጎም

ናይ ዓዲ ሽማግለ ማለት በቲ ኖርማል ትርጉሙ ናይ ነገራት ኣጀማምራን ምዕባለን ውሽጠ ሚሽጥር ዝፈልጥ፣ ብዛዕባ በዳሊን ተበዳሊን እኹል መረዳእታ ዘለዎ-- ተበዳሊ ፍትሒ ክረክብ; በዳሊ ከኣ ክኽሕስ ዝሰርሕ ኣካል እዩ:: እቲ ፀገም ካብ ሱር መሰረቱ ብምፍታሕ ከኣ ርትዓዊ መስርሕ ብዝርጋሕ ጉዳይ ዝዓፁ ማለት እዩ:: ነይሩ::

ናይ ሎሚ ሽማግለ ዓዲ ግን ብትርጉሙ ዝተፈለየ እዩ:: ጭራሽ ተብዳሊ — በዳሊ ገይሩ ዝውንጅል; ናይ በደልቲ ወኪል ኮይኑ ብምምፃእ መፈራርሒ መልእኽቲ ዝህብ; ቁስሊን ቀልብን ተበደልቲ ክገፍፍ ብገንዘብ ዝተገዝአ ናይ ፖለቲካ ነጋዳይ እዩ ተቐይሩ::

ብሽም ሽምግልና ናብ ትግራይ ዝመላለሱ ዘለዉ ሽማግለታት ዓዲ ዝዛረብዎ ዘለዉ ዘረባታት ሰሚዕካ ዝስመዓካ ባዶነት መግለፂ የብሉን:: ዓዲ ሙሉእ ኢቪል ዝሰሮሮ ኣምላኺ ኩናት ገይርካ ብምስኣል "ወላ ገገዝኡ ከይድና ክፉኡነት ኩናት ክንነግሮ ኢና!" ይበሃል ኣሎ:: ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ትግራይ ናይ ምልምማድ (ነቲ ጆኖሳይድ ናይ ምርስሳዕ) ተግባራት ነይሩ:: ተሳኺዕሎም ጆኖሳይድ ዝኣክል ወንጀል ብስንፍና ትግራይ ናብ ተራ ወንጀል ተቐይሩ- ጭራሽ በደልቲ ተቐይርና:: እዚ ድኽመትና ተበሊፆም ሕጂ ድማ ትግራይ ናይ ምሽይጣን ከይዲ ብዕቱብ ይሰርሕሉ ኣለዉ: ሎሚ ድማ ናብ ምፍርራሕ ተኣትዩ ኣሎ::

"ኩናት ኣየድልን" እንዳበሉ ደጋጊሞም ብምቕራብ ናይ ባዕሎም ዘረባ ይደግሙ:: ትግራይ ምልእቲ 'ኩናት ኣድላዪ እዩ' ኢላ ዝኣመነት ገይሮም እዮም ዘቕርብዎ ዘለዉ:: "መን እዩ ኩናት ዝደሊ ዘሎ" ኢሉ ዝምጉቶም ወይ ዝሓተቶም ኣይሰማዕኩን: ግን እንተዝሕተቱ ውን ፀጉሪ ርእሶም ወይ ጭሕሞም ካብ ምጉታት ሓሊፎም ዝብልዎ የብሎምን:: ኦሮምያ ዕለቲዊ ብደም ዝጥልቂ ዘሎ ክልል እዩ; ኣምሓራ ክልል ውን ከምኡ: ሽምግልና እንዳተብሃለ ነገራት ክሽልሑ ህዝቢ ንምስይጣን ዝስራሕ ዘሎ ግን ኣብ ትግራይ እዩ:: እቲ ምስሉይነት መገረሚ- ልዕል ክብል ድማ መሕዘኒ እዩ::

እዚኣቶም መፍትሒ ዘምፅኡ ሽማግለታት ዓዲ ዘይኮኑ ብናይ ቴዲ ርዮት ኣገላልፃ: "ጦርነት ኣዋላጅ ሽማግሌዎች!" እዮም:: ኩናት ዘዋልዱ ካብ ኩናት ዝኸስቡ ነጋዶ እዮም:: ኣብዪ ኣሕመድ ከካይዶ ንዝሓሰቦ ጆኖሳይድ ጥምዙዝ ተረኽ ዘንፅፉ; ነገራት ንምጥዕዓም ብሽም ሽምግልና ንዘሸቅሎም መንግስቲ ግዜን ኩነታትን ዝገዝኡ ናይ ደም ነጋዶ እዮም::

Adresse

Hawelti
Oslo

Varslinger

Vær den første som vet og la oss sende deg en e-post når HaHu Events legger inn nyheter og kampanjer. Din e-postadresse vil ikke bli brukt til noe annet formål, og du kan når som helst melde deg av.

Del