ZEHA - ዘሃ

ZEHA - ዘሃ ዘሃ ብውልቂ ዝውነን ኾይኑ ኣብ 2016/2024 ኣብ መቐለ ፣ ትግራይ ዝተመስረተ እዩ።
ዘሃ ክብርታት ዓቅምን መናእሰይ ትግራይ ተጋሩ ብዓለም ደረጃ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።

ውድባት ፓለቲካ ትግራይ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰሓርቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ "ብምኹናን ኣብዚ ተግባር ኢድ ዘለዎም ኣካላት ኩሎም ብቕልጡፍ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ፀዊዐን።እተን ፓለቲካዊ ውድባት ሎሚ ኣብ...
20/02/2025

ውድባት ፓለቲካ ትግራይ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰሓርቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ "ብምኹናን ኣብዚ ተግባር ኢድ ዘለዎም ኣካላት ኩሎም ብቕልጡፍ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ፀዊዐን።

እተን ፓለቲካዊ ውድባት ሎሚ ኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ እዩ ነዚ ኢለን ዘለዋ።

መግለፂ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ወረዳ ሰሓርቲ ብኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ክኹነን ዝግብኦን ተግባር እዩ"ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍፀም ግፍዕን ጨፍጫፍን ፈፃሚኡ ካብ ደገ ይምፃእ ካብ ውሽጢ ፈፂምና ከምዘይንዕገስን ሐዚ እውን ተሓታቲ ክንገብሮ ከምንቃለሶን ክፍለጥ ንደሊ እውን ይብል።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ኩናት ዘርኢ ምፅናት (ጀኖሳይድ) ዝፈፀሙሉ ፀላእቲ ከም ህዝቢ ተሰሊፉ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ብምክልኻል ናብዚ ሐዚ ዘለናሉ ብርኪ በፂሑ እዩ ዝበለ መግለጺ ኪዳን ተጋሩ ንብሔራዊ ድሕነት"ፖለቲካዊ ስዕረት ዘጋጠሞ ስዑር ጉጅለ ነቲ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝተፈጠረ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ካብ ስብእንኡን ህዝባዊ ልእኽትኡን ወፃእ መሳርሒ ጉጅላዊ ጣጣኡ ክገብሮን ምስ ህዝቢ ከባእሶን ላዕልን ታሕትን ክብል ፀኒሑ እዩ" ኢሉ።

እተን ፓለቲካዊ ውድባት፣ ኣብ ሰሓርቲ ግፍዒ ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቀርቡ ብምጽዋዕ፤እዚ እንተዘይኮይኑ ግና ኣብ ወፃእን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ዘሎ ኩሉ ህዝቢ ብምልዕዓል ህዝባዊ ተቓውሞታት ከምዝግበር፣እቲ ቃልሲ ሓፍ ኢሉ ዓለምለኸ መልክዕ ክህልዎ ከምዝሰርሓ ኣመላኺተን።

ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  መተሓባበሪ ማእኸል ሓበሬታ  ሓይሊ ዕማም ሓፂነመፂን  ተወሳኺ መስመራት ስልኪ መውሃቢ ሓበሬታ ከምዘዳለወ ዕላዊ ጌሩ ።       መስመራት ቴሌፎን ኣብ ትሕቲ ግ...
30/08/2024

ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መተሓባበሪ ማእኸል ሓበሬታ ሓይሊ ዕማም ሓፂነመፂን ተወሳኺ መስመራት ስልኪ መውሃቢ ሓበሬታ ከምዘዳለወ ዕላዊ ጌሩ ።

መስመራት ቴሌፎን ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጣየሽ ሓይሊ ዕማም ሓፂነ መፂን ዛጊድ ሕብረተሰብ ብዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ብርክት ዝበሉ ብዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ መንገድታት ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝኣተው ንብረታት ኣብቁፅፅር ኣብምውዓል ይርከብ ይኹን እምበር ሕዚ ውን ብዘይ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝረጋገፅ ልዕልና ሕጊ ይኹን ትሓታትነት
ከምዘየለ ተገንዚብና ሕብረተሰብ ኣድላይ ዘበለ ሓበሬታን ጥቆማን ብምሃብ ዝተለመደ
ተሳትፎኡ ንክረጋግፅ መስመራት ቁፅሪ ስልክታት ተጠቂሙ ጥቆማ ከብፅሕ ይሓትት
ቁ ስ 0922062064 ወይ ድማ
0922779699
ብምድዋል ተሳትፍኡ ከዕዝዝ ይፅውዕ። ንዝግበር ምትሕግጋዝ ድማ ኣቐዲምና ነመስግን ይብል።
ግዚያዊ ሓይሊ ምምሕዳር ሓፂነ መፂን - ክልል ትግራይ።
Telegrame.
___________
t.me/
24 ነሓሰ 2016ዓ/ም

ምስላዊ ዜና !!ኣቀባብላ  ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ።Telegram t.me/
29/08/2024

ምስላዊ ዜና !!

ኣቀባብላ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ።

Telegram t.me/

Address

TIGRAI. MEKELLE
Mekelle
1141MEKELLE

Telephone

+251952717161

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ZEHA - ዘሃ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ZEHA - ዘሃ:

Share

Category