Nebilawi

Nebilawi Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Nebilawi, Event Videographer, Asmara.

ቅድሚ 1447 ዝነበረ  ጽፈት ኣነባብራ ነቢና ሙሓመድ ሳ/ዋ/ወሰላም. ሰሉ ዓላ ነቢ
27/03/2026

ቅድሚ 1447 ዝነበረ ጽፈት ኣነባብራ ነቢና ሙሓመድ ሳ/ዋ/ወሰላም. ሰሉ ዓላ ነቢ

22/03/2026
ያ ኣላህ ፡  ከም እንደገና  ሮሞዳን  ክነርክብ ክንርእይ  ኣብቃዓና ፡ ብ ዕድመ ጥራይ ዘይኮነስ ብጥዕና ፡ ብኢማን ፡ ብምህላው ኣብ መንገድኻ  እንኮላይ ። ንዓኻ ኢልና ዝሓዝናዮ ነፍሲ ወከ...
19/03/2026

ያ ኣላህ ፡ ከም እንደገና ሮሞዳን ክነርክብ ክንርእይ ኣብቃዓና ፡ ብ ዕድመ ጥራይ ዘይኮነስ ብጥዕና ፡ ብኢማን ፡ ብምህላው ኣብ መንገድኻ እንኮላይ ። ንዓኻ ኢልና ዝሓዝናዮ ነፍሲ ወከፍ ጾም ጥቅሙ ናዓና ፡ ዝሰገድናዮ ነፍሲ ወከፍ ሰላት ፡ ኣብ ሱጁድ ዝ ነባዕናዮ ፡ ንስኻ ጥራይ ትፈልጦን ትሰምዖን ከለኻ ብሹክሹክታ ዝለመንናዮ ነፍሲ ወከፍ ናይ ልቢ ዱዓ ተቐበለልና። ያ ኣላህ ፡ እንዝክሮም ዘንብታትና ዝረስዓናዮም ናኣሽቱን ዓበይተን ጌጋታትና ፡ ማንም ኣይርኣየናን ኢልና ዝፈጸምናዮም ነውርታትና ኩሎም ሕደገልና ። ንስኻ ኩሉ ትፈልጥን ትርእይን ሓያል ኪኢላ ንጉስ ሰማይን ምድርን ዝርእን ዘይረእን ኢኻ ሞ ያቀፋር ዘንብና ቀፍረልና ። ልብና ካብ ኩሉ ስምካ ዘይጽዋዓሉ ዘይዝከረሉ ነገር ኣጽርዮ። ከይተረድኣና እንዳተርዳኣና ዝዋዓልናዮ ትዕቢት፡ ንነዊሕ እዋን ዝሓዝናዮ ፡ ጽለኢ ቂም ፡ በቲ ዘይውዳእ ራሕማኻ ምሕረት ግበርልና ፡ ምስ ፍቅርኻ ዘወዳደርናዮ ፍቕሪ ዱንያ ብ ፍቅርኻ ተካኣልና ፡ ያ ኣላህ ኣብዚ መወዳእታ ኩቡር ወርሒ ስምና ካ ብቶም ካብ ሓዊ ጃሃነም ዝተናገፉ ጻሓፈና። ዝጾምናዮ ዝሰገድናዮ ቁቡል ግበረልና፡ ግዜና ኣኺሉ ነዛ ዓለም ክንገድፋ ከለና ብፍቓድካ ንኸይድ ግብረና ካቲማና ኣጸብቀልና። ያ ኣርሓማ ራሒሚን ንስኻ ጥራይ ብትፈልጦ መገዲ ምሓረና፡ ኣብ መንገድኻ ቀጥ ክንብል ሓግዘና ኣሚን።

#ነቢላዊ

ዝኾነ ይኹን ጌጋ ይሃልወና፡ ተስፋ ከይቆረጽና እናሻዕ ናብቲ ራሕማን ዝኾነ ፈጣሪና ንመለስ። ናብ ኣላህ ምምላስ ልማድናን ወልፍናን ይኹን! ምኽንያቱ ንኣላህ ምእዙዛት ምስ ዘይንኸውን፡ ዝሕጎስን...
10/03/2026

ዝኾነ ይኹን ጌጋ ይሃልወና፡ ተስፋ ከይቆረጽና እናሻዕ ናብቲ ራሕማን ዝኾነ ፈጣሪና ንመለስ። ናብ ኣላህ ምምላስ ልማድናን ወልፍናን ይኹን! ምኽንያቱ ንኣላህ ምእዙዛት ምስ ዘይንኸውን፡ ዝሕጎስን ዝረብሕን ብሕምቀታትና ባህ ዝብሎ ሸይጣን ጥራይ እዩ። ንሕና ግና ኣብዚን ኣብቲን ኣብ ዱንያን ኣኼራን) ከይረባሕና ብኽሳራ ከይንተርፍ።
ናነበርና ንሕጊ ናይ ዘለናዮ ቦታ ናኽበርና ነቲ ዝሓቶ ትእዛዝ ናማላእና : ኣብስራሕና ምእዙዛት ን ስራሕናን ኣስራሕትናን ኮይና ናነበርና በንጻሩ ሂወት ሂቡ ጥዕና ምስ ጸጋ ዝሃበና ወናኒና ኣላህ ዘይምእዙዛት ኮይና ከይንርከብ ::

መንፈሳዊ ምንቅቃሕ.
ሰባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝሓሸና ንምዃን እንጽዕርን እንምነን ብዙሕ ጎዶሎታት ዘለናን ድኹማት ፍጡራት ኢና። ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ ዝበጻሕናሉ ወይ እዚ ዘለና ናይ ምንባር ጸጋ ዝረኸብናሉ ፍጹማት ስለዝኾንና ወይ ካብ ካልኦት ስለዝበለጽና ኣይኮነን። ታይዳኣ በቲ ሰፊሕ ራሕማ (ርህራሄን ምሕረትን) ናይ ኣላህ ጥራይ ኢና ነዛ ሎሚ መዓልቲ ክንርኢ ክኢልና ዘለና።

ስለዚ ምስ ኩሉ ጉድለታት ብቐጻሊ ናብ ፈጣሪ ምምላስ ተውባ ምግባር) ኣብ ቅድሚ ኣላህ ካብቶም ምእዙዛትን ፍትዋትን ባሮት እዩ ዝገብረና። ነብዪ (ሰ.ዐ.ወ) ኣብ ሓዲሶም ከምዚ ይብሉ፦
كُلُّ بَنِي آدَمَ خَطَّاءٌ، وَخَيْرُ الْخَطَّائِينَ التَّوَّابُونَ
( ኩሉ ወዲ ኣዳም ተጋጋይ እዩ፡ ካብቶም ዝጋገዩ ድማ እቶም ዝበለጹ እቶም ብተውባ ናብ ኣላህ ዝምለሱ እዮም። — ቲርሚዚ )

ብተወሳኺ ኣላህ ሱ.ወ ኣብ ቁርኣን ነቶም ወትሩ ናብኡ ዝምለሱ ከምዝፈትዎም ከበስረና ከሎ ከምዚ ይብል:
إِنَّ اللَّهَ يُحِبُّ التَّوَّابِينَ وَيُحِبُّ الْمُتَطَهِّرِينَ
(ብርግጽ ኣላህ ነቶም ካብ ዘንቦም ሓጢኣቶም) ብቐጻሊ ዝምለሱን፡ ነቶም ዝጸረዩን ይፈቱ። — ሱረቱል በቀራ፡ 222)

ስለዚ ዝኾነ ይኹን ጌጋ ይሃልወና፡ ተስፋ ከይቆረጽና እናሻዕ ናብቲ ራሕማን ዝኾነ ፈጣሪና ንመለስ። ናብ ኣላህ ምምላስ ልማድናን ወልፍናን ይኹን! ምኽንያቱ ንኣላህ ምእዙዛት ምስ ዘይንኸውን፡ ዝሕጎስን ዝረብሕን ሸይጣን ጥራይ እዩ። ንሕና ግና ኣብዚን ኣብቲን ኣብ ዱንያን ኣኼራን) ከይረባሕና ብኽሳራ ኢና እንተርፍ።
ናነበርና ንሕጊ ናይ ዘለናዮ ቦታ ናኽበርና ነቲ ዝሓቶ ትእዛዝ ናማላእና : ኣብስራሕና ምእዙዛት ን ስራሕናን ኣስራሕትናን ኮይና ናነበርና በንጻሩ ሂወት ሂቡ ጥዕና ምስ ጸጋ ዝሃበና ወናኒና ኣላህ ዘይምእዙዛት ኮይና ከይንህሉ ::
..................ወርሒ ረመዳን ናይ ምሕረትን በረኸትን ወርሒ እያ። ካብዛ ክብርቲ ወርሒ ድማ፡ እተን ናይ መወዳእታ ዓሰርተ መዓልታት (العشر الأواخر) ኣዝየን ፍሉይ ዝኾነ spiritually መንፈሳዊ ደረጃ ኣለወን። እዚ እዋን እዚ፡ ወዲ ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ዝያዳ ዝራኸበሉ፡ ጌጋታቱ ተኣሚኑ ምሕረት ዝልምነሉን፡ ንመጻኢ ህይወቱ ዝኸውን መኽሰብ / ዓስቢ ዝእክበሉን ወርቃዊ ዕድል እዩ። ኣብዚ ዝስዕብ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ክብሪ ናይዘን ናይ መወዳእታ መዓልታት፡ ኣብዘን መዓልታት ዝነበረ ተግባር ነብዪ (ሰ.ዐ.ወ)፡ ከምኡ ውን ብዛዕባ እታ ካብ ሺሕ ኣዋርሕ ማለት 83 ዓመት ትበልጽ ለይለተል ቀድር (ليلة القدر)፡ ብመሰረት ቁርኣንን ሓዲስን ብውሑድ ክንርኢ ኢና።

ናይ ረመዳን ናይ መወዳእታ ዓሰርተ መዓልታት (العشر الأواخر) ኣዝየን ክቡራትን ንዒባዳ (ኣምልኾ) ልዑል ጻዕሪ ክግበረለን ዝግባእን መዓልታት እየን። መዛዘሚ ናይ ወርሒ ረመዳን ብምዃነን፡ ስራሕ ወዲ ሰብ ድማ ብመወዳእታኡ ስለዝምዘን፡ ናይ ረመዳን ስራሕና ጽቡቕ ምእንቲ ክኸውንን ተቐባልነት ክረክብን ኣብዚ እዋን እዚ ጻዕርና ብዕጽፊ ክንውስኾ ይግባእ። ነብዪ (ሰ.ዐ.ወ) ኣብ ሓዲስ ከምዝበልዎ፦
"إِنَّمَا الأَعْمَالُ بِالْخَوَاتِيمِ
(ትርጉም፡ ብርግጽ ስራሓት ዝምዘኑ ብመወዳእታኦም እዩ። — ቡኻሪ ዝዘገቦ)

ነብዪ (ሰ.ዐ.ወ) እዘን መዓልታት እዚኣተን ምስ ኣተዋ ዕጥቆም የብርትዑ፡ ለይቲ ብዒባዳ የሕልፉ፡ ከምኡ'ውን ንስድራቤቶም ኣተንሲኦም ኣብ ናይ ኸይሪ (ሰናይ) ስራሕ የሳትፍዎም ነይሮም። እዚ ድማ ንዒባዳ ዘለዎም ልዑል ትግሃት የርኢ። ኣዴና ዓኢሻ (ረ.ዓ) ብዛዕባዚ ከምዚ ክትብል ኣዘንትያ፦
"كَانَ رَسُولُ اللَّهِ ﷺ إِذَا دَخَلَ الْعَشْرُ أَحْيَا اللَّيْلَ، وَأَيْقَظَ أَهْلَهُ، وَجَدَّ وَشَدَّ الْمِئْزَرَ
(ትርጉም፡ ረሱል (ሰ.ዐ.ወ) እተን ናይ መወዳእታ ዓሰርተ መዓልታት ምስ ኣተዋ፡ ለይቲ (ብዒባዳ) የሕልፉ ነይሮም፡ ንስድራቤቶም የንቅሑ ነይሮም፡ ከምኡ'ውን ትግሃቶም ብምውሳኽ ዕጥቆም የብርትዑ ነይሮም። — ቡኻሪን ሙስሊምን ዝዘገብዎ)

ብተወሳኺ ኢዕቲካፍ (الاعتكاف) ምግባር፡ ማለት ካብ ናይ ዱንያ (ዓለማዊ) ስራሓት ተፈልኻ ኣብ ውሽጢ መስጊድ ንኣላህ ምምላኽ፡ ነዘን መዓልታት ብግቡእ ንምጥቃም ዝግበር ዓብዪ ጻዕሪ እዩ።

ካብዘን ዓሰርተ መዓልታት ብፍላይ ከኣ ለይለተል ቀድር (ليلة القدر) ዝተባህለት ዓባይ ለይቲ ትርከብ። እዚኣ ለይቲ ካብ ሓደ ሺሕ ኣዋርሕ (ካብ 83 ዓመት ንላዕሊ) ትበልጽ ብምዃና፡ ኣብ ውሽጣ ዝግበር ዒባዳ ካብ ናይ ዝኾነ ካልእ እዋን ዝበለጸ እዩ። ኣላህ ኣብ ቁርኣን ከምዚ ይብል፦
لَيْلَةُ الْقَدْرِ خَيْرٌ مِّنْ أَلْفِ شَهْرٍ
(ትርጉም፡ ለይለተል-ቀድር ካብ ሓደ ሺሕ ኣዋርሕ ትበልጽ። — ሱረቱል ቀድር፡ 3)

ኣብዛ ለይቲ እዚኣ (ብሶላት) ደው ዝበለን ንኣላህ ዘምለኸን ሰብ ዝሓለፈ ሓጢኣቱ ይምሓረሉ። ነብዪ (ሰ.ዐ.ወ) ከምዚ ይብሉ፦
"مَنْ قَامَ لَيْلَةَ الْقَدْرِ إِيمَانًا وَاحْتِسَابًا غُفِرَ لَهُ مَا تَقَدَّمَ مِنْ ذَنْبِهِ
(ትርጉም፡ ብእምነትን ኣጅሪ (ዓስቢ) ብትጽቢት ምግባርን ኣብ ለይለተል-ቀድር (ብዒባዳ) ደው ዝበለ ሰብ፡ ዝሓለፈ ሓጢኣቱ ይምሓረሉ። — ቡኻሪን ሙስሊምን ዝዘገብዎ)

ለይለተል ቀድር ቁርኣን ዝወረደላ፡ መላእኽቲ ናብ ምድሪ ዝወርዱላን ሰላም ዝሰፈናን ለይቲ እያ። ኣላህ (ሱ.ወ) ከምዚ ይብል፦
"إِنَّا أَنزَلْنَاهُ فِي لَيْلَةِ الْقَدْرِ ... تَنَزَّلُ الْمَلَائِكَةُ وَالرُّوحُ فِيهَا بِإِذْنِ رَبِّهِم مِّن كُلِّ أَمْرٍ ۝ سَلَامٌ هِيَ حَتَّى مَطْلَعِ الْفَجْرِ

(ትርጉም፡ ንሕና (ንቁርኣን) ብርግጽ ኣብ ለይለተል-ቀድር ኣውሪድናዮ... መላእኽትን ሩሕን (ጂብሪል) ብፍቓድ ጎይታኦም ንኹሉ ትእዛዝ ሒዞም ኣብኣ ይወርዱ። ንሳ ክሳብ ወጋሕታ ሰላም እያ። — ሱረቱል ቀድር፡ 1, 4-5)

ብተወሳኺ ኣላህ ንዝቕጽል ዓመት ዝኸውን ኣጀል (ዕድመ)፡ ሪዝቂ (ሺሻይ)ን ካልኦት ነገራትን ዝውስነላ ብምዃና፡ ዱዓ ብምግባርን ንኣላህ ብምልማንን ነታ ለይቲ ምሕላፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣላህ ኣብ ቁርኣን ከምዚ ይብል፦
"فِيهَا يُفْرَقُ كُلُّ أَمْرٍ حَكِيمٍ
ኣብኣ (ኣብታ ለይቲ) ኩሉ ጥበባዊ ዝኾነ ነገር ይፍለ (ይዝርዘር)። — ሱረቱድ ዱኻን፡ 4)

መንፈሳዊ ምንቅቃሕ.ሰባት  ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝሓሸና ንምዃን እንጽዕርን እንምነን ብዙሕ ጎዶሎታት ዘለናን ድኹማት ፍጡራት ኢና። ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ ዝበጻሕናሉ ወይ እዚ ዘለና ናይ ምን...

ሓንሳብ ሕሰብ ኣብልዎ ሞ ሃሊካ ዓቅሚ ኣበይ ክተዉፍር ምመረጽካ ተትባሃል?  ኣብ ምዝንጋዕ  ዶ ዋላ ኣብ ቀጻሊ ዋግኡ ናወሰኸ ዝኸይድ ህንጻ ወይ ትካል ምመረጽካ ? ናይ በላሕቲ ምርጫ ፍልጥቲ ...
07/03/2026

ሓንሳብ ሕሰብ ኣብልዎ ሞ ሃሊካ ዓቅሚ ኣበይ ክተዉፍር ምመረጽካ ተትባሃል? ኣብ ምዝንጋዕ ዶ ዋላ ኣብ ቀጻሊ ዋግኡ ናወሰኸ ዝኸይድ ህንጻ ወይ ትካል ምመረጽካ ? ናይ በላሕቲ ምርጫ ፍልጥቲ እያ:: እም ሃየ ነዚ ዕድል ንጠቀመሉ ብንገብራ ንእሽተይ ሓገዝ ሓንቲ ስድራ ወይ ሓደ ሰብ ኢፍጣሩ ወይ ን ሱሑር ዝኾኖ ክረክብ ኮሎ! ኣላህ ተሓጉስልና ዘለና ከበርክተልና ኣጅርና ክበዝሕ: ዕግበት ሕልና ክስማዓና ::

ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጡሙይ የለን ከይከውን ኩነታትና ረኺብና እንተለና ነቶም ዘይብሎም ኣይንረስዔዮም ብፋሉይ ኣብዛ ብልጽቲ ወርሒ ::
ሕሰብዎ ሞ ንሱሕር ተንሲእኩም ፍሪጅ ምስ ከፈትኩም... ዋላ ሓንቲ ዘየለ ። ቁሩብ ዝነቀጸ ተምርን ጽሬት ዘይብሉ ማይን ጥራይ ክጸንሓኩም ።

ኣዛን መቅሪብ ምስ ኣዘነ ናብ ክሸነኹም ቅልቅል እንተበልኩም... ሓሬት ማይን ቁሩብ ሸጉርትን ኮሚደረን ጥራይ።
የሕዋት ነዚ ኩነታት ብዓይኒ ሕልናኹም ክትስእልዎ ብጣዕሚ ይደሊ: ምኽንያቱ እዚ እዩ ናይ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሱዳንን ካልእ ከባብን ሓቀኛ ኩነታት መነባብሮ። ንዓና ርሑቕን ዘይበጽሓናን ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን እመኑኒ ነቶም ኣብ ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋትና እዚ መሪር ዘለዉዎ ኩነታት እዩ።

ክሳብ ሕጂ ተኸታቲልኩምኒ እንተለኹም፡ ብጣዕሚ የቅንየለይ። በጃኹም እታ እትኽእልዋ ለግሱ። ንሓደ ሰብ ኢፍጣር ወይ ሱሕር ንምሃብ 1 ዶላር ስጋብ $5 ) እያ ተድሊ። ንምልጋስ ድማ ካብ 30 ሰከንድ ኣይወስድን እዩ ኣላህ ርዝቅና ይዋስዓልና።

Let's make this quick...neither one of us has time in Ramadan. It costs just $5 to provide an iftar in Sudan. Simply click on the donate button, decide how much you'd like to give, select your intention (Zakat or Sadaqah) and then hit that donate button. It takes less than 30 seconds. Don't believe....

ኣገባብ ድቃስናን ን ኣእምሮኣዊ ጥዕናናን ይጸልዎ ዶ?ናይ ስነ-ልቦናን (Psychology) ናይ ነርቭ ስርዓትን መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ: ኣገባብ ድቃስና ኣብ ኣእምሮኣዊን ስምዒታዊን ጥዕናና ዓ...
28/02/2026

ኣገባብ ድቃስናን ን ኣእምሮኣዊ ጥዕናናን ይጸልዎ ዶ?

ናይ ስነ-ልቦናን (Psychology) ናይ ነርቭ ስርዓትን መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ: ኣገባብ ድቃስና ኣብ ኣእምሮኣዊን ስምዒታዊን ጥዕናና ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

እቶም ወትሩ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ስጋብ ሰዓት 1 ዘምስዩ ሰባት: ንሕማም ሻቅሎት (Anxiety) ጭንቀት (Depression) ከምኡ’ውን ካልኦት ጠባያዊ ጸገማት ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ ይብል። ዘይስሩዕ ወይ ድማ ደንጊኻ ምድቃስ: ነቲ ንሆርሞናትናን : ስምዒት ናይ ምሕሳብ ዓቅምናን ዘመጣጥን ባዮሎጂካዊ ጸዓት (Circadian rhythms) የዛብዖ።

ኣእምሮና ስምዒታት ንምስራዕ ተዘክሮ ንምእካብን: ከምኡ’ውን ሚዛን መልእኽቲ-መመሓላለፍቲ (neurotransmitters) ንምሕላውን እኹል ድቃስ የድልዮ። ምምሳይ: ብርሃን ጸሓይ ንከይንረክብ ይገብር .ምፍራይ ሆርሞን ሜላቶኒን (ናይ ድቃስ ሆርሞን) ይቀይር፣ ከምኡ’ውን መጠን ኮርቲሶል (ናይ ጭንቀት ሆርሞን) ይውስኽ። እዚ ድማ ንተለዋዋጢ ስምዒታት (mood disturbances) የቃልዓና። ብተደጋጋሚ እናምሰኻ ምድቃስ ድማ፣ ምስ ግዜ ንስምዒትካ ናይ ምቁጽጻር ዓቅሚ: ትኩረት ንምግባርን ውሳነ ንምሃብን ዘሎና ክእለት ይሃስዮ።

ክኢላታት ስነ-ልቦና ከም ዝምዕድዎ: ቀዋሚ ናይ ድቃስ ግዜ ምሓዝ: ንጥንካረ: ናይ ምሕሳብ ብሉጽነትን ስምዒታዊ ርግኣትን ይሕግዝ። ናይ ድቃስ ሰዓትና ምስትኽኻል ቅድሚ ምድቃስና ሞባይልን ኤለክትሮኒክስን ዘይምርኣይን ከምኡ’ውን ንመንፈስና ዘረጋግኡ ነገራት ምልምማድን ነቲ ተዛቢዑ ዝነበረ ባዮሎጂካዊ ጸዓትና ናብ ቦትኡ ክምለስን ካብ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ክንርሕቕን ይሕግዝ።

ኣብ መንጎ ምምሳይን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ዘሎ ምትእስሳር ምርዳእ: ንጽሬትን ኣገባብን ድቃስና ቀዳምነት ክንህብ ከም ዘለና የዘኻኽረና። ናይ ድቃስ ሰዓትና ናብ ቅድሚት ምምጻእ (ብእዋኑ ምድቃስ ዋላ ብውሑድ ደቃይቅ ይኹን ንስምዒታዊ ሚዛንና ይጸልዎ እዪ:: ጭንቀት ይቅንስ : ዝያዳ ሓይሊ : ንጡፍ የእምሮ: ከምኡ’ውን ንዘላቂ ኣእምሮኣዊ ጥዕና መሰረት ይኸውን። እዚ ን ዕለታዊ ብድሆታት ብዝሓሸ ርግኣት ንኽንሰግሮም ይሕግዘና።

28/02/2026

ነቢ ሙሓመድ [ ሰለላሁ ዋዓለይሂ ወሰለም ] ካብ ኣዝዩ ብርቱዕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቅጥን ጸገምን ዝውጹ ሰብ እዮም ኔሮም። ኣቦኦም ከይተወልዱ እዩ ሞይቱ፡ ገና ህጻን ከለው ውን ኣዲኦም ስኢኖም፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ውን ኣቦሓጎኦም ስኢኖም ካብ ዝኽትምና ናብ ዝኽትምና ተሰጋጊሮም ኣብዚ ኣየብቀዐን እቲ ፈተነ።

መልእኽቴኛ ሙኻኖም ክሕብሩ ምስ ጀመሩ ብ ሰባት ተነኣኢሶም፣ ተናዒቆም፣ ተነጺሎም፣ ብዙሕ ኣካልውን ስነኣእምራውን በደል በጺሕዎም ብ እኩባትን ብ ውልቅን፡ ከምኡ’ውን ብገዛእ ቤተሰቦም ተኸዲዖም ፡ ብዘጋጠሞም ውን ዓዲ ክቅይሩ ዝተገደዱ እዮም ኔሮም።

ብድሕሪ እዚ ውን ገና ብህይወት ከለው ውሉዶም ቀቢሮም ሓዘን ለቢሶም። ግን ምስ ኩሉ እዚ፡ ኣብ ታሪኽ ዝበለጸ ስነ-ኣእምሮኣዊን ኣካላውን ሓይልን ክውንኑ ዝኻኣሉ. ናብቲ ዝላዓለ መንፈሳዊ ዕቤት ዝበጽሑን ኮይኖም ን ዓለም ራሕማ ዘምጸኡ ዝበልጹ ሰብ ኮይኖም ብ ሚዮናት ስሞም እናተዘከሩ ብ መንፈስ ምሳና ኣለዉ ።

ህይወቶም እትምህረና፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቅጥን ጸገምን ኣይውሰነካን እዩ ን ሂወት ክትብድሃ ። ከመይ ጌርካ ከም እትምልሰላ ግብረመልስኻ መንፈሳዊ ሓይልኻ እዩ ዝውሰነካ።

24/02/2026

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለና ኤርትራውያን ወገናት ፍልልያትና ጼርና ድምጺ ክንከውን ይግባእ ን የሕዋትና ኣብ ግብጺ ዘለው. እዚ ናይ ህላውነት ሕቶ አዩ ። ኣላህ ይሓግዘና.

Address

Asmara

Website

https://linktr.ee/nebilawi?utm_source=linktree_admin_share

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Nebilawi posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Nebilawi:

Share